Apply for travel assistance (Tigrinya)

Unfortunately we are unable to accept applications for travel assistance until further notice. 

ሰለስተ ወይ ልዕሊኡ ሰባት ወይ መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝጓዓዙሉ ስድራቤታት መጀመርታ ንቀይሕ መስቀል ክረኽብዎ ኣለዎም: Link to Red Cross website .

ይኹን ድአ ምበር ንኹሉ ዝምልከቶ ሰብ ምጓዓዝ ከምዘይንኽእል ኣስተውዕሉ። በጃኹም መጀመርታ ካልኦት ኩሎም ኣማራጺታት ከም ዝፈተንኩሞም ኣረጋግጹ።

መመልከቲ እንተተቐቢልናዮ ኣስተውዕል፤

  • ናይ ስድራቤትካ በረራ ዕለት ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ (ቅድሚ እቲ ቪዛ ምውዳኡ ክኸውን እዩ)
  • መስመር ወይ መንገዲ ኣየር ክትመርጽ ኣይትኽእልን ኢኻ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ቀጥታዊ በረራ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና።
  • ክንሕዝ ከም ዝኸኣልና መረጋገጺ ንምርካብ ገለ ሰሙናት ክወስድ ይኽእል እዩ።

 

መመልከቲ ምግባር

ናይ ምጓዓዝ ሓገዝ ከተመልክቱ ምስ እትደልዩ እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ከድልየና እዩ። እዚ ብኢመይል enquiries@togethernow.org.uk ወይ ብዋትስኣፕ ናብ 00447929337837 ምስዳድ ይከአል።

 

ሰነዳት፤

  • ናይ ስፖንሰር BRP (ቅድሚትን ድሕሪትን)
  • ናይ ስፖንሰር መርትዖ ኣታዊ
  • ንዝጓዓዙ ኣባል ስድራቤት(ታት) ፓስፖርት።
  • ንዝጓዓዙ ኣባል ስድራቤት(ታት) መእተዊ ቪዛ(ታት)
  • ንዝጓዓዙ ኣባል ስድራቤት(ታት) ናይ መውጽኢ ቪዛ(ታት) ወይ መረጋገጺ ኣየድልን።

 

ተወሳኺ ሓበሬታ፤

  • ናይ ስፖንሰር ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ቁጽሪ ተሌፎን (እዚ እንተተኻኢሉ ኣብ ዋትስኣፕ ክሰርሕ ኣለዎ)
  • ናይ ስፖንሰር ኢመይል ኣድራሻ
  • ቁጽሪ ተሌፎን ኣባል(ታት) ስድራቤት (እዚ እንተተኻኢሉ ኣብ Whatsapp ክሰርሕ ኣለዎ)
  • ናይ ስድራቤት ኣባል(ታት) ኢመይል ኣድራሻ
  • ዝርዝር ናይ ዝኾነ ቆልዓ ወይ ጽግዕተኛ ኣባል ስድራቤት(ታት) ኣብቲ ናይ ጉዕዞ ሓገዝ ሕቶ ዘይተኻተተ
  • ናይ ስፖንሰር ህሉው ኣድራሻ
  • እቶም ዝመጹ ኣባላት ስድራቤት ኣበይ ከም ዝነብሩ መረጋገጺ።
  • ዝርዝር ናይ ዝኾነ ትካል ንኣባይቲ፣ ጥቕምታትን ካልእ ምድላዋትን ክድግፍ ዝኽእል ድሕሪ ኣባል ስድራቤት(ታት) ምምጻእ
  • ተመራጺ መበገሲ መዓርፎ ነፈርቲን ዝኾነ ካልኦት ኣማራጺታትን
  • ተመራጺ መምጽኢ መዓርፎ ነፈርትን ካልኦት ኣማራጺታትን
  • ዝኾነ ይኹን አካል ጉድአት ወይ ሕክምናዊ ኩነታት ንዝኾነ ኣባል ስድራቤት (ኣባል ስድራቤት) ንዓቕሚ ጉዕዞኦም ዝጸሉ
  • ካልእ ብዛዕባ እቲ ጉዕዞ ስክፍታታት እንተሃልዩ፡ ንኣብነት ምስ ሰብመዚ መዓርፎ ነፈርቲ ዝምልከት ጉዳያት፡ ስድራቤት ኣብቲ ዝብገሰላ ሃገር ሕጋዊ ደረጃ ዘይምህላዎም ወዘተ

ዝርዝር መፈተሺ መመልከቲ – ናይ ጉዕዞ ሓገዝ

 

ኣብ ገለ ኩነታት ክንሕግዘሉ ዘይንኽእል አጋጣሚ ክህሉ ይኽእል፤

  • ጠቕላላ ወጻኢታት ናይቲ በረራታት ትሕቲ 200 ፓውንድ እንተኾይኑ።
  • ሓደ ዓቅሚ አዳም ዝመለኦ ሰብ ጥራይ ዝጓዓዝ እንተኾይኑ፡፡

ንምርግጋጽ ግን ርኸቡና። ክንሕግዝ እንተዘይክኢልና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክንሕብረኩም ኢና።